Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፀገማት ብምፍታሕ ንሰላምን ሕውነትን ከምዝሰርሕ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፀገማት ብምፍታሕ ንሃገራዊ ሰላምን ህብረብሄራዊ ሕውነትን ከምዝሰርሕ ኣብቲ ፓርቲ ሓላፊ ህንፀት ዓቕሚ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኦሮሚያ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ካብ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ዝምጥን ናይ ተግባር መልሲ ንመሃብ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡

ናይ ሰላም ፀገማት፣ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ምኽባር ናብራን ስእነት ስራሕን ሓዊሱ ሸውዓተ መፍትሒ ዝጠልቡ ጉዳያት እውን ብህዝባዊ ዘተታት ከምዝተፈለዩ ኣልዒሎም።

እቲ ፓርቲ ኣብቲ ክልል ህዝቢ ዝተፈላለዩ ፀገማት ብምፍታሕ ንሃገራዊ ሰላምን ህብረብሄራዊ ሕውነትን ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.