Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኢዱ ብመሃብ ህዝቢ ካብ ምንግልታዕ ከድሕንን ኣብ ኣደባባይ ፍርዲ ንኽዳነን ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ብቕልጡፍ ኢዱ ብመሃብ ህዝቢ ካብ ምንግልታዕ ከድሕንን ኣብ ኣደባባይ ፍርዲ ንኽዳነን ፀዊዑ።

መጥፍኢኡ እናተቓረበ ዝርከብ እቲ ጉጅለ ብሰራዊት ምክልኻል ብዝበፅሖ ስዕረት ዝተበገሰ ኣብ ውሽጢ ልዑል ምድኻምን ምፍርራስን ከምዝኾነ እቲ ፓርቲ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ኩሉ ናይ መወዳእታ መማረፂ ተጠቒሙ ይፍንቅሎ ዘሎ እምኒ ዕንቅፋትን መጥፍኢኡን እናኾነ ካብ ፍርዲ እውን ከምዘየምልጥን ኣናተገንዘበ ምምፅኡ እውን ገሊፁ።

ኣብ መቐለ ዝመሸገ ሽፍታ ጉጅለ ህወሓትን ዘዋፈሮም ሰራዊቱን ኣብ ውሽጢ ቀለበት እናተሸከርከረ መውፅኢ ጨኒቑዎ ብሰራዊት ምክልኻል ስዕረት እናጋጠሞ ምዃኑ ግልፂ ኮይኑ ኣሎ ክብል ፓርቲ ብልፅግና ኣብሪሁ፡፡

ታሪኽ ኣብ ዘበላሹ ኲናት ኣይሳተፍን ብምባል ንፃውዒት ኲናት እምቢ ዝበል መልሲ ዝሃበ ህዝቢ ትግራይመወዳእትኡ እናቀላጠፎ ከምዝኾነን ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል እናተሰለፈ ምዃኑ እቲ ጉጅለ ናብ ልዑል ተስፋ ምቑራፅ ከምዘእተዎ እውን ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ጎኒ በዓል ውዕለትኡ ምስ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ብምስላፍ ግብኣተ መሬት እቲ ጁንታ ንኽፍፀም ናይ ባዕሉ ብፅሒት እናተዋፀአ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.