Fana: At a Speed of Life!

ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሃዋሳን ኣዳማን 50 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምፍራይ ንሚኒስቴር ትምህርቲ ምቕራብ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሃዋሳን ኣዳማን 50 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምፍራይ ንሚኒስቴር ትምህርቲ ምቕራብ ጀሚረን።

40 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ፤ 10 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ድማ ካብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ንሚኒስቴር ትምህርቲ ዘቕርባ እንትኾና፥ ንፈለማ እዋን 5 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ርኽክብ ተሳሊጡ ኣሎ።

ሚኒስትር ዲኤታ ትምህርቲ ኣይተ ሚሊየን ማቴዎስን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሰረቲን ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ተረኺቦም ቀዳማይ ዙር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምዝተረከቡ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.