Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዘዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምድሃብ ንሲሪል ራማፎዛ መብርሂ ሂበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ህዳር፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዘዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምድሃብ ንፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ሲሪል ራማፎዛ መብርሂ ሂበን።

ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣፍሪካ ዘለዋ ልዑል ቦታ መበገሲ ብምግባር እተን እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት ንፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ሲሪል ራማፎዛ መብርሂ ሂበን።

ክልቲኦም ፕሬዚዳንትታት ቅድመ ሐዚ እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ብስልኪ ዘተ ገይሮም ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ገፅ ንገፅ ዝተገበረ ዘተ እውን ነባራዊ ሓቂ ብዝበለፀ ንምርዳእ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎዛ በተን ፕሬዚዳንት ድሕሪ ዝተገበረሎም መብርሂ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብቕርበት ከምዝከታተሉ ምግላፆም ኢ.ቢ.ሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.