Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሞሓመድ ኣብዱላሂ ፎርማጆ ዝተናውሐ ዘበነ ስልጣኖም ብምስራዝ ምርጫ ንኽካየድ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዱላሂ ፎርማጆ ዝተናውሐ ዘበነ ስልጣኖም ብምስራዝ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ንኽካየድ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ሶማሊያ ምንዋሕ ዘበነ ስልጣን ፕሬዚደን ሞሓመድ ፋርማጆ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ኣብከተማ ሞቃዲሾ ናዕቢ ምፍጣሩ ይዝከር።

እቲ ናዕቢ፥ ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ፀፅታ ነቶም ፕሬዚዳንት ዝድግፉን ዝቃወሙን እንትኸውን፥ ብሰንኪ እቲ ናዕቢ ነበርቲ ካብ መረበቶም ብበዝሒ ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቶም ፕሬዚዳንት ንህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብታ ሃገር ምርጫ ንኽካየድ ምውሳኖም ተሓቢሩ።

ዘበነ ስልጣን መሓሞድ ፋርማጆ ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ ለካቲት ይዛዘም እምበር ፓርላማ እታ ሃገር ብኽልተ ዓመት ንኽናዋሕ ምውሳኑ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ነቲ ውሳነ ኮኒኖምዎ ኢዮም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.