Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሣህለወርቅ ዘውዴ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ደቡብ ኣፍሪካ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሣህለወርቅ ዘውዴ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣምሪሐን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሐንስበርግ ኦሊቨር ታምቦ አንትበፅሓ ሚኒስትር ማሕበራዊ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪካ ሊንዲዌ ዙሉናን ፍሉይ መልእኽተኛን በዓል ሙሉእ ሰልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዶክተር ሽፈራው ተክለማሪያምን ኣቀባብላ ገይረሙለን።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣተሓባበሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ተቐማጢን ናርዶስ በቀለ ቶማሰ፣ ኣመራርሓ ኮሚኒቲ ኢትዮጵያ ካልኦት ኣካላትን ኣብቲ ኣቀባብላ ተረኺቦም።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝህልወን ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ክዛተያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.