Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ኬንያ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኬንያ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተዛትየን።

ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበራ ዝርከባ እተን ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ኬንያ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂበን ዘተ ኣካይደን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዘተአን፥ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ምስ ሱዳንን ግብፂን እናተገበረ ዝርከብ ድርድር ብዝምልከት መብርሂ ሂበን።

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያውያን እናተሳተፉሉ ዝርከቡ ናይ ህዝቢ ፕሮጀክት ምዃኑ እውን ኣገንዚበን።

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ክሳብ ሕዚ ንዝገበሩዎ ሓገዝ ምስጋና ዘቕረባ ፕሬዚዳናት ሳህለወርቅ፥ ሕዚ እውን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን ብግደኦም፥ እብ ክሊ እቲ ግድብ ዝግበር ከይዲ ድርድር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓዞ ቅዋም ከምዘድንቑን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ቃል ምእታዎምን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.