Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራን ሆስፒታል ዱፍቲን ዑደት ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ 13፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራን ሆስፒታል ዱፍቲን ዑደት ኣካይደን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣብ ዝገበረኦ ዑደት፥ ካብቲ ዩኒቨርሲት ምስ ዝተውፃእፃኣ ደቂ ኣነስትዮ ተምሃሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂበን ተዛትየን።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሰመራ ዝርከብ ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣነስትዮ ዑደት ብምክያድ እምነ ኩርናዕ መስፋሕፍሒ ህንፀት ኣቐሚጠን።

ፕዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ወረዳ ዱፍቲ ዝርከብ ሆስፒታል ዱፍቲ ተረኺበን ዑደት ምክያደን እውን ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እተን ፕዚዳንት ኣብ ሰመራ ዝተኸበረ ሃገር ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይ ቪ/ኤድስ ንምስታፍ ትማሊ ናብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ከምዝኣተዋ ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.