Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ሚኒስትር ምትሕብባር ዳያስፖራን ኢሚግሬሽንን እስራኤል ታማኖ ሺታ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ሚኒስትር ምትሕብባር ዳያስፖራን ኢሚግሬሽንን እስራኤል ታማኖ ሺታ ተዛቲየን።
ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ሚኒስትር ታማኖ ሺታ ናብ ኢትዮጵያ ምምፀአን ሓጎስ ከምዝተሰመዐን ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳናት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዘሎ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ እውን ተዛሪበን።
እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኢየን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘኣተዋ ይፍለጥ።
ኣብ እስራኤል ትውልደ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ከምዚ ዝበለ ብርኪ ስልጣን እንትሕዝ ንፈለማ እዋን ኢዩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.