Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ዑደት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ዑደት ገይረን።

እተን ፕሬዘዳንት ካን 17 ክሳብ 23 ጥሪ 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ተዘዋዊረን ተዓዚበን፡፡

ከምኡ እውን ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ ኤክስፖ ዑደት ኣሳሊጦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን (ኢ/ር) ኣይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብቲ ዑደት ተረኺቦም፡፡

እቲ ኤክስፖ ንፈለማ እዋን ብሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ዝተሰናደአ እንትኸውን÷ “ሰበኽ ሳግም፣ ህብረ ቀለም ምብራቕ ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ዕላማ እቲ ኤክስፖ ሰበኽ ሳግም ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጋጥሙዎምን ዝሓለፉዎምን መገዲታት ልምዲ ዝለዋወጡሉን ልምዲ ዝወስዱሉን ከምኡ እውን  ሓበራዊ ፀገሞም ዝፈትሑሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬን ማርታ ጌታቸውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.