Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ደብዳበ ሽመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሸየሙ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ተቐቢለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ደብዳበ ሽመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሸየሙ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ተቐቢለን።

እተን ፕሬዚዳንት፥ ደብዳበ ሽመት ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ሴራሊዮን፣ ኣየርላንድ፣ ኔዘርላንድስ፣ ፊንላንድ፣ ስዊድንን ፖላንድን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበላ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ደብዳበ ሽመት ኣምባሳደር ስፔን ማኑኤል ሳላዛር ፓልማ፣ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ሬሚ ማሬሾን ኣምባሳደር ካሜሩን ኤውምብዌ ሞኖኖ ቸርችልን ተቐቢለን ኢየን።

እቶም ኣማባሳደራት፥ ኣብ ሞንጎ ሃገሮምን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ትኹት ሂቦም ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.