Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ፀረ-መበረታትዒ ቅመማት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ንፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ፀረ-መበረታትዒ ቅመማት ዊቶልድ ቦንካን ልኡኾምን ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ፀረ-መበረታትዒ ቅመማትን ብዝበለፀ ተቐራሪቦም ኣብ ቁፅፅር ፀረ-መበረታትዒ ቅመማት ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ኩነታት ተመያይጠን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ሓገዛት ኣብ ዝግበረሉ ጉዳይ እውን ተዛቲየን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ስፖርት ኣትሌቲክስ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኽ ዘለዋን ኣትሌት ኣበበ ቢቂላ ኣብ ማራቶን ሮም ካብ ዝዕወት ጀሚሩ ኣብ መድረኽ ዓለም ከምትፍለጥ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ትካል ኣብ ቁፅፅር ፀረ-መበረታትዒ ቅመማት ንዝገብሮም ሓገዛት ቴክኒክ ምስጋና ምቕራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.