Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕን በዓልቲ ገዝኦምን ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን በዓልቲ ገዝኦም ቀዳማዊ እመቤት ሜላኒያ ትራምፕን ብቫይረስኮሮና ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ እቶም ፕሬዚዳንትን በዓልቲ ቤቶምን ናብ መፈሊኻ መፅንሒ ኣቲዮም ተባሂሉ።

ናይ ቀረባ ሓጋዚኦም ዝነበረ ሰብ ብቫይረስኮሮና ከምዝተትሓዘ ምስተገለፀ ብዝተገበረ ምርመራ በቲ ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊፁ ኢዩ።

ብቕድሚ ትማሊ ምስ ጆባይደን ኣብ ዝገበሩዎ ንሕንሕ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ፥ ናይ ቀረባ ሓጋዚቶም ዝኾነት ሓቢረንኦም ከምዝነበራ ተገሊፁ።

ኣብቲ እዋን ስድራ እቶም ፕሬዚዳንት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምዘይገበሩ እውን ተገሊፁ።

ሓኪም እቶም ፕሬዚዳንት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልቲኦም ሰባት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ይርከቡ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.