Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንተነሓናሒኦም ጆ ባይደን ቅድሚ ክትዕ ምክያድ መርመራ መተባብዒ መድሓኒት ክገብሩ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንተነሓናሒኦም ጆ ባይደን ቅድሚ ክትዕ ምክያድ መርመራ መተባብዒ መድሓኒት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሕፁይ ዴሞክራት ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣመሪካ ጆ ባይደን ብቐጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ ፈላማይ ክትዕ ከካይዱ ኢዮም።

ይኹን እንበር እቲ መድረኽ ክትዕ ቅድሚ ምክያዱ፥ ጆ ባይደን መርመራ መተባብዒ መድሓኒት ንክገብሩ ፃውዒት ከምዘቕረቡ ተገሊፁ።

ጆ ባይደን ንዴሞክራት ወኪሎም ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዘካይድዎም ክትዓት፥ ሃንደበታዊ ምምሕያሻት ከም ዝተዓዘቡን ዘይተፀበይዎ ዓቕሚ ከም ዘርኣዩን ዶናልድ ትራምፕ ንዋሽንግተን ኤግዛማይነር ተዛሪቦም።

ይኹን’ምበር እቶም መነሓንሕቶም ዝተፈለየ ዓቕሚ ንምርኣይ ሓሽሽ ዝጥቀም ምዃኖም ዘረጋግፅ ሓበሬታ እኳ እንተዘይኣቕረቡ፥ “ኣነ ከምዚ ዝበሉ ነገራት ኣብ ምስትውዓል ንፉዕ’የ” ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ቅድሚ እቲ ከም ኣቆፅራ ኣውፓውያን 3 ሕዳር 2020 ዝካየድ መረፃ ሰለስተ ናይ ቀጥታ ክትዓት ቴሌቪዥን ከምዝህልውዎም ተሓቢሩ።

ትራምፕ ኣብ 2016 እውን መነሓንሕቶም ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን ቅድሚ እቶም ክትዓት “ሓሽሽ ወሲዳ እያ” ብዝብል ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ቴሌቪዥን ቀጥታዊ ክትዕ ብተመሳሳሊ መርመራ ንክገብራ ምሕታቶም ይዝከር።

ኮይኑ ግና እቲ ሕቶኦም ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.