Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ቻይና “ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ታይዋን ኢድ ምእታው ብሓዊ ከም ምፅዋት ይቑፀር” ክብሉ ጆ ባይደን ኣጠንቂቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ “ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ታይዋን ኢድ ምእታው ብሓዊ ከም ምፅዋት ይቑፀር” ክብሉ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣጠንቂቖም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ታይን ንምጉዓዝ ትልሚ መሓዞም ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ወጥሪ ተጋዲዱ ቀፂሉ።

ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ኣብ ጉዳይ ታይዋን ንክልተ ሰዓት ዝዘለቐ ልዝብ ስልኪ ገይሮም፡፡

ፕሬዚዳንት ሺ ኣብ ዘተኦም፥ ኣሜሪካ ፕሬዚዳንት ሺ “መምርሒ ሓንቲ ቻይና” ፕሬዚዳንት ሺ ክተኽብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ከይዲ ምምስራት ናፃ ሃገር ታይዋን ዘይሕሰብ ከምዝኾነ ዝገለፁ ፕሬዚዳት ሺ ጂንፒንግ፥ ኣብቲ ጉዳይ ሓይሊታትወፃ ዘርእዩዎ ኢድ ኣእታውነት ኮኒኖም፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብተመሳሳሊ፥ ቻይና “ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ታይዋን ዘየድሊ ኢድ ኣእታውነት ብሓዊ ከም ምፅዋት ይቑፀር፤ ብሓዊ ምፅዋት ድማ ምቅፃል ኣይተርፍን” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ኣሜሪካ ሕቶ ናፅነት ታይዋን ዝዳፋእን ሕዚ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ንምህዋኽ ብሓደ ወገን ዝውሰድ በይናዊ ስጉምቲ ኣጥቢቓ ከምትቃወም ኣገንዚቦም።

ፕሬዚዳንት ባይደን፥ ዋሸንግተን ኣብ ጉዳይ ታይዋን ዘለዋ ቅዋምን ፖሊሲን ሕዚ እውን ዘይተለወጠ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.