Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ከሳልጥዎ ዝቐነዩ ዑደት ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ከሳልጥዎ ዝቐነዩ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተጓዒዞም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምርኻብ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታተ ተዛቲዮም ኢዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ኢንዱስትሪታት ፓርክ ኣዳማ፣ ቢሺፍቱን ዱከምን ዑደት ኣካይዶም።

ትማሊ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ብሓባር ብምዃን ኣብ ከባቢ  “ሃምሌ 19 መናፈሻ” ኣዲስ ኣበባ እምነ ኩርናዕ ህንፀት ኤምባሲ ኤርትራ ኣምቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ቦታ ንመንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ብመልክዕ ውህብቶ ዝተለገሰ ኢዩ ኢሎም።

ህንፀት እቲ ኤምባሲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ረኽቢ ብዝበለፀ ንክጠናኸር ዝገብር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንምፍጣር ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለወን ርእይና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ከምዝተዛተዩ እውን ሓቢሮም።

“ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ካብ ድኽነት ንምውፃዕ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና” እውን ኢሎም።

2020 ዓ.ም.ፈ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ መፈለምታ ዓመት ምዕባለ ክኸውን ኢዩ ክብሉ ድማ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግደኦም፥ እቲ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ዘሐጉስ ኩነት ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ እቶም ፕሬዚዳንት ናብ ሃገሮም እንትምለሱ ስነ ስርዓት ምፍናው ገይረሙሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.