Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኬንያ ምኽትሎም ካብ ሓላፍነት ንኽለዓሉ ምሕታቶም ስዒቡ ኣብ ማእኸሎም ወጥሪ ተፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ምኽትሎም ዊሊያም ሩቶ ካብ ሓላፍነት ንኽለዓሉ ምሕታቶም ስዒቡ ኣብ ማእኸሎም ወጥሪ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ።

እቲ ወጥሪ ክመፅእ ዝኸኣለ ፕሬዚዳንት ኬንያታ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሃገሮም ወሳኒ ስጉምቲታት ኣይወሰዱን ብምባል ምክትለፐም ካብ ስልጣኖም ንኽለዓሉ ምሕታቶም ስዒቡ ኢዩ፡፡

ነቲ ወቐሳ ስዒቡ ምክትል ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ መንግስቲ ኬንያ ኣኼባ ካቢኔ ዝተሰናደአ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዝነበረ ብምሕባር ፕሬዚዳንት ኬንያም ሓላፍነቶም ኣይተዋፅኡን ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኬንያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓፈሻዊ መረፃ ንምግባር 47 ሕፁያት ናብቲ ውድድር ዝተፀምበሩ እንትኾኑ፥ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኬንያ እሁሩ ኬንያታ ድሕሪ ክልተ ዙር መረፃ ዳግም ክወዳደሩ ኣይኽእሉን፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ ካብ ኡሁሩ ኬንያታ ንላዕሊ ንቀዳማይ ሚኒስትር ራይላ ኦዲንጋ ድጋፍ ምርኣዮም ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያታ ዘለዎም ርክብ ከምዘላሕለሖ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.