Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ መልእኽቲ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ  ኣብይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ተቐቢሎም።

እቲ መልእኽቲ ዘብፅሑ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ፍሉይ መልእኽተኛ ዶክተር ኣብይን ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኢዮም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ዝርከብሉ ጉጅለ ልኡክ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኬኒያ ተዛቲዮም።

ኣይተ ኃ/ማርያምን ፕሬዚዳንት ኡሁሩን ዝገበርዎ ዘተ ኣብ ክልቲኣው፥ ከባቢያዊን ኩነታት ሰላምን ፀጥታን  ዘተኮረ ኢዩ።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ክልቲአን ሃገራት ንሰላም እቲ ከባቢ ልዑል ግደ ከምዘለወን ገሊፆም።

ሕውነት ኢትዮ-ኬንያ ንሕና ዝፈጠርናዮ ዘየኮነስ ብትውልዲ ሽግግር እናጎለበተ ዝመፀ ብምዃኑ ብዝበለፀ ክነጠናኽሮ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.