Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ጆሴፍ ማጉፉሊ ኣብ ታንዛኒያ ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ማእሰርቲ ንምፍታሕ ወሲኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆሴፍ ማጉፉሊ ኣብ ታንዛኒያ ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ማእሰርቲ ንምልቃቕ ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስምዕመዓም ገሊፆም።

ክልቲኦም ፕሬዚዳንታት ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ምስተዛተዩ ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።

ፕሬዚዳንት ማጉፉሊ ኣብ መግለፂኦም፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ታንዛኒያ ጥሒሶም ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን እሱራት ከምዝርከቡን እቶም እሱራት ንምልቃቕ ምስ ፕሬዚደዳንት ሳህለወርቅ ከምዝተዛተዩን ተዛሪቦም።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ብናፃ ክልቀቑ ኢዮም ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ህንፀት ሃገሮም ክሳተፉ ኢዮም ኢሎም።

“እቶም ኢትጵያውያን እንተደሊዮም ሎሚ መዓልቲ ክኸዱ ይኽእሉ ኢዮም” ክብሉ ዝገለፁ ጆሴፍ ማጉፉሊ፥ ካብ ማእሰርቲ ንዝፍትሑ ዜጋታት ዝተቐመጠ ቅድመ ኹነት ከምዘየለ ኣብሪሆም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብግደአን፥ ምስ ፕሬዚዳንት ጆሴፍ ማጉፉሊ ኣብ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ መዲና ኣፍሪካ ከም ምዃና መጠን ቋንቋ ስዋህሊ ንምጅማር ካብ ፕሬዚዳንት ማጉፉሊ ዘቕረቡለን ሓሳብ ኢትዮጵያ ከምትሓስበሉ ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ማጉፉሊ ሃገሮም ታንዛኒያ ካብ ኢትዮጵያ ዕዉት ውፅኢት ፍርያት ቆርበትን ኣንጋረን ከምትወስድ እውን ተዛሪቦም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሓበራዊ ኮሚሽን ኣጣይሸን ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ንምስራሕ ድሉዋት ከምዝኾና እውን ኣፍሊጦም፡፡

ብኤፍሬም ምትኩ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.