Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ካሊድ ዲጆ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ስልጤ ወረዳ ዳሎቻ ዝርከብ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ካሊድ ዲጆ ብዕሊ ተጀሚሩ።

እቲ ፕሮጀክት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ርስቱ ይርዳው፣ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለን ሚኒሰስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚልን ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ።

እቲ ፕሮጀክት 27 ሜትሮ ብራኸን 1 ሺሕን 731 ሜትሮ ንውሓትን ዘለዎ እንትኸውን፥ 8 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ናይ መሓዝ ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ።

ብብር 1 ነጥቢ 19 ቢሊየን በጀት ወፃኢ ዝህነፅን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝዛዘምን ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ግድብ ህንፀቱ እንትዛዘም 1 ሺሕን 800 ሄክታር መሬት ከልምዕ ዝኽእል እንትኸውን፥ ልዕሊ 7 ሺሕን 200 መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ።

ብዘመን በየነ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.