Fana: At a Speed of Life!

ፖሊሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓውዲ ሚዲያ ንምምዕባልን ዓቕሚ ንምህናፅን ዘኽእል ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ኣብ ስራሕ ንክውዕል ዝተወሰነ ፖሊሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓውዲ ሚዲያ ንምምዕባልን ዓቕሚ ንምህናፅን ዘኽእል ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምክትል ዳይሬክተር በዓል መዚ ብሮድካስት ኣይተ የወንድወሰን ኣንዷለም ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዉ፥ ፖሊሲ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ዓውዲ ንሃገር ከበርክቶ ዝግባእ ግደ ንከበርከት ዝዓዘዘ ብፅሒት ኣለዎ።

ዓውዲ ሚዲያ ብማዕቐፍ ፖሊሲ ዘይምምርሑ ብብዙሕ ፀገማት ንክኽበብ ከምዝገበሮ እውን ተዛሪቦም።

ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣዕናውን ትኽክል ዘይኮኑ ኣተሓሳስባታት መርህ ሚዲያ ብዘይፈቕዶ መገዲ ከምድልየቱ እንትገብሮ ከምዝፀንሐ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ሚዲያ ብሓፈሻ ዓውዲ ሚዲያ ንምምዕባል፣ ንምስፋሕ፣ ንምድጋፍን ዓቕሚ ንምህናፅን ኩነታት ከምዝፈጥር ኣብሪሆም።

ትውልደ ኢትዮጵያ ሰብ ዋና መራኸብቲ ሓፋሽ ዝኾኑሉ ዕድል ዝህብ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

22 ቀንዲ ቀንዲ ሓሳባት ዘካተተ እቲ ፖሊሲ፥ ነፃነት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝሕልው፣ ተሓታትነት ንክህሊ ዝገብርን ዓቕሚ ኢኮኖሚ ንክህነፅ ዘኽእልን ከምዝኾነ ድማ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.