Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ብዘካየዶ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን ብዙሓት ተጠርጠርተ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ብዘካየዱዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲታት ዝተዋደደ  ልዕሊ ሓደ ሺሕ ተጠርጠርቲ ምስ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ኤግዚቢታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዐሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም፡፡

ክልቲኦም ትካላት ፖሊስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናካየዱዎ ዝርከቡ ኦፕሬሽን ውፅኢት ብምግምጋም ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበሩ 8 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ምሕባሮም ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ እናማረሩ ዝፀንሑ ተግባራት ገበን ንምክልኻል ዘካየዱዎ ኦፕሬሽን ብሓባር ብምግምጋም ኣብ ዝሃቡዎ ጋጣዊ መግለፂ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሉ ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ድማ ኣርባዕተ ሽጉጣት፣ 68 ጠያይቲ ሽጉጥ፣ ሓሙሽተ ዝተፈላለያ መኻይን፣ 64 ሰሌዳታት ተሸከርከርቲ፣ 1461 ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ተሽከርከርቲ፣ ሰለስተ ባጃጅ፣ ሓንቲ ጀነሬተር፣ 290 ሞተር ሳይክላት፣ ሸሞንተ ፔዳል ብስክሌት፣ 31 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ፣ 1578 ዝተፈላለያ ሞባይል ስልኪታት፣ 52 ታብሌት፣ 71 ላፕቶፕ፣ 12 ኤሌክትሪክ መቆፃፀሪ ስታብላይዘር፣ 58 ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ዲሽ፣ 48 ቴሌቪዥን፣ 44 ሲምካርድ፣ 10 ናይ ሓፂን ክዳን መወገዲ ፈሳሲ መገዲ፣ ክልተ በግራይንደር፣ ልዕሊ 5ኪሎ ግራም ካናቢስ መዕወኒ ሓሽሽ፣ 1292 መትከኺ ሺሻን 153 ዝተፈላለዩ ክዳውንቲን ከምኡ እውን ኣብ ውልቀ ገዛ ዝተኸዘነ ንዕድጊት ዘገልግል 90 ከረጢት ናይ ኢትዮጵያ ሳንቲማት ብኤግዚቢትነት ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ።

ኢኮኖሚ ሃገር ንምድኻም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ሕሶት ገንዘባት ዝሕትሙን ብፀሊም ዕዳጋ ዝምንዘሩ ውልቀ ሰባትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ሕብረተሰብ ሰነድ ኣልቦ ዝኾኑ ኣቑሑት ካብ ምግዛእ ንኽቑጠብን ዝገብሮ ዕድጊት ብሕጋዊ ሰነድ ሕጋዊ ደረሰይ ጥራሕ ንኽገብር ኣብ መግለፂኦም ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.