Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ንበዓል ልደት እኹል ምድላው ምግባሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ልደት ብሰላም ንኽኽበር ኣድላዪ ምድላው ከምዝገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ሚዲያን እቲ ኮሚሽን ዋና ኢንስፔክተር ማርቆስ ታደሰ ንጣቢያና ከምዝገለፁዎ፥ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲሰ ኣበባ ንበዓል ልደት ኣድላዪ ዘበለ ምድላው ምግባሩ ኢዩ።

ኣባላት ፖሊስ፥ ሰባት ኣብ ዝበዝሑሎም ናይ ዕድጊት ቦታታትን ፍሰት ትራፊክ ኣብ ዝበዝሐሎም ከባቢታትን ከምዝተዋፈሩ እውን ገሊፆም።

ብፍላይ ስርቂ፣ ንጥቂያ፣ ምትላልን ባዕዳዊ ነገራት ምስ ምግቢ ሓዊስካ ምሻጥን ኣብ ዕድጊት እዋን በዓላት ክፍጠሩ ዝኽእሉ ገበናት ብምዃኖም ሕብረተሰብ ናብ ዕድጊት እንትወፅእ ጥንቃቐ ንኽገብር ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.