Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌደራል ንኢትዮጵያን ዝመስል ኣወዳድባን ስያመን ከምዘዳለወ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ንኢትዮጵያን ዝመስል ኣወዳድባን ስያመን ኣዳሊዩ ብማእኸላይ ብርኪ ንዝተመደቡ ኣመራርሓታት ስልጠና እናሃበ ምዃኑ ገሊፁ።

ኣብ ዋና ክፍሊ ፖሊስ ፌዴራል ንኸገልግሉ ዝተመደቡ ማእኸለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ዝተመደቡሉ ዓውዲ ብተኣማንነትን ቅንዕናን ንህዝቢ ንኸገልግሉ ቃለ-ማሕላ ብምፍፃም ሓዱሽ ትካላዊ ውዳበ፣ ኣወዳድባን መሪሕ ግደ ትራንስፎርሜሽንን ተረዲኦም ትልሚ 10 ዓመት ንምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ንኽፈጥሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ መዕበዪ ዓቕሚ ስልጠና ከምዝወሰዱ ተገሊፁ፡፡

ኮሚሽነር ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል፥ ስትራቴጂክ ትልሚ 10 ዓመትን ኣብ ፅንሰ ሓሳብ ለውጢ ዘፈር ፀፅታን ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣብ ኣሰራርሓ ፖሊስ ፅቡቕ ልምዲ ዘለወን ሃገራት ቶሞክሮ ብከመይ ምጥቃም ከምዝከኣል እውን ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.