Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ፖሊስ ጣሊያንን ኣብ ክልተኣዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ፀፅታ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራልን ፖሊስ ጣሊያንን ኣብ ክልተኣዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ፀፅታ ኣብ ሮም ተዛቲዮም።

ብኮሚሽነር ጄነራል ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ናብ ጣሊያን ሮም ተጓዒዙ ምስ ሓላፊ ትካል ፖሊስ ጣሊያን ኮማንደር ጀነራል ቴኦ ሉዚ ብመዝታይ ፖሊስ ንምዝማን ኣብ ዘኽእሉ ስልጠናታት ህንፀት ዓቕሚን ኣብ ምትሕብባር ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብሮም ብፖሊስ ጣሊያን ድሙቕ ኣቀባብላ ዝተገበረሉ እንትኸውን፥ ኮሚሽነር ጄነራል ደመላሽ እውን ንዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላን መንግስቲ ጣሊያን እናገበሮ ንዝርከብ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣመስጊኖም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ ሓሙሽተ ብሉፃት ትካላት ፖሊስ ንኽስራዕ ሽቶ ሰኒቑ ብልዑል ተበግሶን ቆራጽነትን እናርሐ ከምዝኾነ እቶም ኮሚሽነር ጄነራል ንኮማንደር ፖሊስ ጣሊያን ዝገለፁሎም እንትኾኑ፥ ሕዚ ዝበፅሐሉ ብርኪ እውን ኣብሪሆምሎም።

ብሪፎርም ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ገበን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምክልኻልን ምርመራን ንምግባር ዘኽእል ምርመራ ላብራቶሪ ፍሮንሲክ ኣዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነን ዝተፈላለዩ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ከምዝተዓጠቐ እውን ኣልዒሎም።

በቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ ፖሊስ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ ኣቪየሽን፣ ምድሪ ባቡር፣ ዩኒቨርሲቲን ቀልጢፉ ዝበፅሕን ከምዝተወደበ እውን ኣብሪሆም።

ኮማንደር ጀነራል ቴኦ ሉዚ ብግደኦም፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ምትሕብባር ክልቲኦም ትካላት ፖሊስ ብምትሕብባር ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኮማንደር ጀነራል ቴኦ ሉዚ ብኣሰናዳእነት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ዘካይዶ ኣኼባ ሕብረት ኮሚሽነራት ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ከምዝርከቡ ቃል ምእታዎም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.