Fana: At a Speed of Life!

ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊቀ ጳጳስ ቤተክርስቲያን ካቶሊክ ሮማ ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ በዓል ትንሳኤ ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ፖፕ ፍራንሲስ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሰላም ትኹረት ዝገበረ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ ኣብ ጋዛ ቅልጡፍ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበርን ኩሎም ዝተዓገቱ እስራኤላውያን ንኽፍትሑን ፀዊዖም፡፡

በዓል ፀጋ ዕድመ 87 ዓመት ካቶሊክ ጳጳስ ሮም ኣብ ጋዛ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዘዜጋታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽግበር እውን ብኣፅንኦት ሓቲቶም፡፡

ኣብ ጋዛ እናተኻደ ኣብ ዝርከብ ኲናት ህፃናፃ ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 30 ሺሕ ዜጋታት ህይወቶም እንትሓልፍ፥ ንጉድኣት ዝተቓልዑ ዜጋታት እውን ቁፅሮም ልዑል ከምዝኾነ ፍራንስ 24 ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.