Fana: At a Speed of Life!

1 ነጥቢ 2 ሚሊየን መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ናብ ስራሕ ከምዘእተወ ሚኒስቴር ሕርሻ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ብልቓሕ ብዝተረኸበ ገንዘብ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ናብ ስራሕ አእቲዩ እናተንቀሳቐሰ ምዃኑ ሚኒስቴር ሕርሻ ገሊፁ።

እቲ ገንዘብ፥ ካብ ባንኪ ዓለም ብነዊሕ ግዘ ዝኽፈል ዝተረኸበ ልቓሕ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝኾነ ንብራ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት፣ ደቂ ኣንስትዮን ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይን ኣብ ዘፈር ምርባሕ እንስሳን ሃፍቲ ዓሳን ተዋፊሮም ተረባሕቲ ክኾኒ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉዃ

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ዓሳን ጥራሕ ዘተኮረ ፕሮጀክት ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ልቓሕ ናብ ስራሕ ምእታዉ ይዝከር።

መተሓባበሪ ብባንኪ ዓለም ዝሕገዝ ብሄራዊ ዘፈር ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ዓሳን ዶክተር ቶማስ ቸርነት፥ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 170 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካን ብመንግስቲ ዝተመደበ ብር 190 ሚሊየንን ንድሕንነት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ተረባሕቲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

በቲ ፕሮጀክት ተረብሕቲ ንምግባር ዝልለዩ ዘለዉ ክፋላት ሕብረተሰብ፥ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት፣ ደቂ ኣንስትዮን ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይን ምዃኖም ኣብሪሆም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ዝርከባ 1 ሺሕን 755 ጣቢያታት ከምዝትግበር ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ሰለስተ ብርኪ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ክሳተፉሉ ኢዮም።

ዶክተር ቶማስ ቸርነት ከምዝበሉዎ፥ ልዑል ረብሓ ዘለዎ ፕሮጀክት ከምዝኾነን ንዕዉትነቱ ድማ ምስ ክልላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ኣብሪሆም።

ብስላባት ማናዬ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.