Fana: At a Speed of Life!

100 ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ንልዕሊ 56 ሺሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኢ-ኮሜርስ ዝተዋፈሩ 100 ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ንልዕሊ 56 ሺሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተሃቀነ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ፡፡

ኢ-ኮሜርስ መሰረት ብምግባር ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ስረሖም ኣዲስ ኣበባ እናፍለጡ ይርከቡ።

ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ምስ ኢንቨስተራት ንምርኻብ ተሓሲቡ ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ ምፍላጥ÷ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ኣይስ ኣዲስን ፋውንዴሽን ማስተር ካርድን ብሓባር ዘሰናድኡዎ ኢዩ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይሹሩን ዓለማየሁ (ዶ/ር)÷ ክሳብ 2027 ዓ.ም 50 ጀመርቲን 50 ኣብ ምዕባይ ዝርከቡ ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂን ብምድጋፍ ልዕሊ 56 ሺሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተሓሰበ ተዛሪቦም።

ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ሓደ ዕላማ÷ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዘማእኸለ ሓደሽቲ ስራሕቲ ምፍጣርብ ሰርፊ ወፃኢ ምምፃእን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ብኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ስራሕቲ ብምፍጣር ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ከምዝስራሕ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.