Fana: At a Speed of Life!

132 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)132 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ብክልተ ዙር ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ እናተመለሱ ምዃኑ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ከምዝገለፁዎ፥ ስደት ኣብ ልዕሊ ዜጋትት ዝፈጥሮ ኣካላዊ፣ ስነ-ልቦናን ሞራላዊን ጉድኣት ንምክልኻል ተሓሳቢ ብምግባር ፍልሰተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ እናተገበረ ይርከብ፡፡

ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ዜጋታት እውን ንባዕሎምን ማሕበረሰቦምን ብምሕላው ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግበኦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ቅድሚ መዓልቲታት 139 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.