Fana: At a Speed of Life!

134 ኢትዮጵያውያን ካብ ቤሩት ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)134 ኢትዮጵያውያን ሎሚ መዓልቲ ካብ ቤሩት ተመሊሶም።

እቶም ዜጋታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ኣብ ሚኒስትቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ቤት ፅሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ኣልማዝ ገበያውን ዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ዕዮታት መንግስቲን ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እቶም ኢትዮጵያውያኝ ዜጋታት ኣብ ታሽዓይ ዙር መርሃ ግብሪ ምምላስ ዜጋታት ኣቢሎም ዝተመለሱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ታሽዓይ ዙር መርሃ ግብሪ ምምላስ ኢትጵያውያን ዜጋታት፥ ብሓፈሻ 3 ሺሕን 289 ኢትዮጵያውያን ካብ ሊባኖስ ንምምላስ ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.