Fana: At a Speed of Life!

155 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ናብ ሰላማዊ ህይወት ከምዝተመለሱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊክ ምስ ዞባ ምብራቐ ሸዋ ወረዳ ፈንታሌ ማሕበረሰብ ዓሌት ኢቱ ኣብ ጉዳይ ፀፅታ ብዝገበሮ ዘተ 155 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ናብ ሰላማዊ ህይወት ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ተወሺጦም ብሕቡእ ብምንቅስቓስ ንባዕሎም ኣባላት ጉጅለ መተኣኻኸቢ ገንዘብን ሃፍቲን፣ ኣባላት ጉጅለ ሰብኣዊ ሓበሬታ፣ ኣባላት ክፍሊ ቅስቀሳን ፕሮፖጋንዳን፣ ኣባላት ምዕፋንን ስወራን ብምባል ብምውዳብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለዩ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ብምፍፃም ሰላም እቲ ከባቢ እናሃወኹ ምፅነሖም ተፀሪሑ፡፡

ብምኽንያት ሰናይ ፅዕንቶ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ዝተመለሱ ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ÷ ተግባር ንተግባር ግብረ ራዕዲ እናጠቐሙሉ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ናይ ነፍስ ወከፍ መሳርሒን ሞተር ሳይክላትን ነቲ ሓይሊ ሓለዋ ለሪፐብሊክ ከምዘረከቡ ኣዛዚ እቲ ክፍለ ጦር ገሊፆም፡፡

ኣዛዚ እቲ ክፍለ ጦር ኮሎኔል ኣሕመድ ኢሚ÷ “ሕብረተሰብ ናይ ባዕሉ ሰላም ዘብዒ ምዃን ብምጅማሩን ምስ ሰራዊትና ብምትሕብባር ብምስርሑን ኩነታት ፀፅታ እቲ ከባቢ ብልዑል ኩነታ ምርግጋእ እናተርኣየሉ ይርከብ” ምባሎም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሕብረተሰብ ዘልዕሎም ዝነበረ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ንምምላስ እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ንኽዕወት ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምውዳድ ስራሕቲ ምኽባር ፀፅታ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.