Fana: At a Speed of Life!

17 ሺሕን 408 ስቴካ ሽጋራን ሓሽሽን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ጨንፈር ኣዋሽ ብኮንትሮባንድ ዘኣተወ 17 ሺሕን 408 ስቴካ ሽጋራን ሓሽሽን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓለ ኣፍሊጡ።

መራሒ ጉጅለ ምክልኻል ኮንትሮባንድ እቲ ቤት ፅሕፈት ኢንስፔክተር አለሙ ይመር ንግዜኢ ከምዝሓበሩዎ፥ ቁፅሪ ሰለዳኣ ኮድ 03-92592 (ኢት) ኾነት ናይ ፅዕነት ትማሊ ምሸት መበገሲኣ ካብ ድሬዳዋ ብምግባር ኣብ ትሕቲ ሲሚንቶ ብምሕባእ ናብ ማእኸል ሃገር ንምሕላፍ እንትትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ሽጋራን ሺሻን ኢዩ።

ንሰራሕተኛታተር እቲ ትካል ብዝበፅሐ ሓበሬታ ብዝተገበረ ክትትል ኣብ ከተማ ጭሮ ዝርከብ ኣልበረከቴ ኬላ እታ ተሸከርካሪት ምስ ኣሽከርካሪኣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክትውዕል ከምዝኸኣለት ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ 5 ሺሕን 500 ሽጋራን 5 ሺሕን 616 ሺሻን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ከባቢ መኢሶ 6ሺሕን 292 ሽጋራ ብምፅዓን ናብ ከተማ ኣዳማ እናተጓዘ ዝነበረ ተሸከርካሪ ብወገን ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ጉባ ቆሪቻ ኣቢሉ ንምምላጥ እንትፍትን ኣብትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል ከምዝኸአለ ኢንስፔክተር ኣለሙ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.