Fana: At a Speed of Life!

2ይ ፎረም ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ፎረም ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣፍሪካን ሻድሻይ ፎረም ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካን ኣብ ዚምባብዌ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ፎረም “ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓማውቲ ብምዕባለ ትልወጥ ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ቓል ኢዩ ኣብ ከተማ ቪክቶሪያ ፎልስ እናተኻየደ ዝርከብ።

ክሳብ ቀፃሊ ሓሙስ ኣብ ዝፀንሕ ፎረም ድማ ኢትዮጵያ ብሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ተወኪላ ትሳተፍ ኣላ።

እቲ ፎረረም፥ ትልሚታት ዘላቒ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካን ኣብ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪካን ዘለዉ ምንቅስቓሳት ብምግምጋም ፅቡቓት ተሞክሮታት ንምልውዋጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ መጠቓለሊ እቲ ፎረም ካብ ሕዚ ንደሐር ኣብ ዝካየዱ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት፣ ፎረም መራሕቲን ፎረም ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዓለም ዝተፍላለዩ ምኽረ ሓሳባት ንምቕራብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.