Fana: At a Speed of Life!

2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ ሓመድ) ንሓረስቶት ንምብፃሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያሓመድ) ናብ ኢትዮጵያ ብምጉዕዓዝ ቅድሚ ክረምቲ ምእታዉ ንሓረስቶት ንምብፃሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ትሕቲ ብሄራዊ ቴክኒካል ኮሚቴ መዳበሪያ ሓመድ ንኡስ ኮሚቴ ኦፕሬሽን መዳበሪያ ጂቡቲ ድማ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ዘሎ ከይዲ ስራሕ እናተኸታተለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 3 ሕዳር 2023 ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 939 ሺሕን 560 ሜትሪክ ቶን መዳበሪያ ኣብ ጂቡቲ ከምዝበፅ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ 905 ሺሕን 525 ነጥቢ 37 ሜትሪክ ቶን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተጓዓዓዘን ዝተረፈ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለን ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.