Fana: At a Speed of Life!

20 ኩንታል ካናቢስ ዝተብሃለ መዓወኒ ሓሽሽ እናጓዓዓዙ ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትህቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ ጣቢያ መቆፃፀሪ ጉምሩክ ጤጢቻ 20 ኩንታል ካናቢስ ዝተብሃለ መዓወኒ ሓሽሽ እናጓዓዓዙ ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትህቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ኣብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ፌዴራል ምኽትል መካየዲ ስራሕ ጨንፈር ቤጥ ፅሕፈት ሃዋሳ ተገዛኢነት ሕጊ ኣይተ ኢዴሳ ለማ፥ እቲ ዝተትሓዘ መዐወኒ ሓሽሽ ትማሊ ካብ ሻሸመኔ ናብ መስመር ነገሌ ቦሮና እናተጉዓዘ ዝነበረ ናይ ፅዕነት ተሸከርካሪ ተፃዒኑ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እቶም ዘይሕጋዊ ሰባት ቲ መዐወኒ ሓሽሽ ንምሕባእ እታ ተሸከርካሪት ብሎኬት ዝፀዓነት ብምምሳል ሓቢኦም ንምሕላፍ እንትፍትኑ ፈተሸቲ ጣቢያ መቆፃፀሪን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ከምዝነቕሑሎም ኣፍሊጦም።

እቲ መዐወኒ ሓሽሽ ኣብ ኢትዮጵያ ምጥቃም ዝተኸልከለ ስለዝኾነ፥ ግምታዊ ዋጋ ዘይወፅአሉ ይኹን እምበር ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሽየጠሉ ዝኽል ትሑት ዋጋ ተሓሲቡ ልዕሊ ብር 6 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ከምዘለዎ ኣይተ ኢዴሳ ኣብሪሆም።

እቲ ካናቢስ ዝተብሃለ መዓወኒ ሓሽሽ መዕረፊኡ ብነገሌ ቦሮና ኣቢሉ ጠረፍ ሞያሌ ዝገበረ ከምዝነበረ ገሊጾም፥ ገናሒ መኪናን ሓቢሩዎ ዝነበረ ሓደ ካሊእ ተጠርጣሪን ተታሒዞም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣይተ ኢዴሳ ኮሚሽን ጉምሩኽ ምስ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኣካላት ፀፅታ ክልልን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ጥምረት ብምፍጣር ኣብ ዝውውር ዘይሕጋዊ መሳርሒታትን ካልኦት ብሄራዊ ስግኣት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ጉዳያትን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ቁፅፅር እናገበረ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.