Fana: At a Speed of Life!

24 ሰነ ንዝጅመር ካልኣይ ዙር ምድላው ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ዕት ንምግባር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ምድላው ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ምስሊ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ንምፍላጥ ብዘኽእል ብርኪ ንኽሰናዳእ መዳግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ።

መርሃ ግብሪታት ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ኣፈፃፅምኡ፣ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ቀፀልቲ ተግባራትን ዝገምገመ ዘተ ብሄራዊ ኮሚቴ ፈፃሚ ብመርበብ ሓበሬታ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ዘተ ክሳብ ሕዚ እናተገበረ ዝነበረ ቀዳማይ ዙር መርሃ ግብሪ ብኣብዝሓ ብዝተሃቀነ መልክዑ እናተፈፀመ ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

ኣካቢ እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ፈፃሚ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፥ ኣብ ሞንጎ ትካላት ውሽጢ ሃገርን ሚሲዮናትን ፅቡቕ ምውዳድ ብምምስራት ቀዳማይ ዙር መርሃ ግብሪ ብዕዉት ኩነታት ምስላጥ ከምዝተኸኣለ ገሊፀን።

ዝተረኸበ ተሞክሮ ንስራሕቲ ካልኣይ ዙር ብልዑል ኩነታት ንምትግባር ሓገዝ ከምዝህልዎ ኣመልኪተን።

ኣካቢ እቲ ጣምራ ብሄራዊ ኮሚቴ ኡስታዝ ኣቡበከር ኣህመድ፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣከባብራ ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ዝሓለወ፣ ህዝቢ ብብዝሒ ዘሳተፈን ምስሊ ሃገር ዘፋለጠን ከምዝነበረ ተዛሪበን።

ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ ብዝሓሸ ምውዳድ ትካላትን ቅድመ ምድላውን ምስሊ ሃገር ብዝበለፀ ንምጉላህ ብዘኽእል መልክዑ ንምፍፃም ንኽሰርሕ ፃውዒት ምቕራቦም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.