Fana: At a Speed of Life!

250 ሚሊየን ኣፍሪካውያን ኣብ ሓደ ዓመት ብኮቪድ-19 ክተሓዙ ይኽእሉ ኢዮም – ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም 250 ሚሊየን ኣፍሪካውያን ኣብ ሓደ ዓመት ብተላባ ሕማም ኮቪድ-19 ክተሓዙ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

ተመራመርቲ እቲ ውድብ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ርብዒ ቢሊየን ዝኾኑ ኣፍሪካውያን በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከምዝኽእሉ ኢዩ።

እቶም 5 ነጥብ 5 ሚሊየን ዝኾኑ ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ሕክምና ዘድሊዮም ከምዝኾኑ ኣብ ግሎባል ሄልዝ ዕላዊ ዝገበሩዎ መፅናዕቶም ኣፍሊጦም።

ካብ 150 ክሳብ 190 ሺሕ ኣፍሪካውያን ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ክስእኑ ከምዝኽእሉ እውን ገሊፆም።

እዚ ብምዃ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕማም ዓሶ፣ ሳምባ መንቀርሳን ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ንምሕካም ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ተተሓሒዙ ኣወሃህባ ግልጋሎት ሕክምና ኣፀጋሚ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪካ ከስዕቦ ዝኽእል ኩለመዳይ ቅልውላው ልዑል ከምዝኾነ ኣገንዚቡ ኣሎ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ናይ ምስፍሕፋሕ ኣቕሙ ዝተሓተ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ትካል፥ ይኹን እምበር ኣብ ቀፃሊ ብቕልጡፍ ክዛመት ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ክህሉ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣፍሪካ፥ ክሳብ ሕዚ 77 ሺሕን 30 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 2 ሺሕን 579 ዜጋታት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.