Fana: At a Speed of Life!

3ይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኣብ ካይሮ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ደምቢታትን መምርሒታትን ኣመላልኣን ኣላቕቓን ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ግብፂ ካይሮ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ድርድር ድማ ኣብ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ቴክኒካልን ማዕቐፍ ህጊን ኣብ ዝሐሸ ውፅኢት ንምብፃሕ ትኹረት ከምዝግበር ተሓቢሩ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ 2015 ብብርኪ መራሕቲ ዝተፈረመ መግለፂ መምርሒ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር እቲ ድርድር ብፍትሓውነትን ምኽንያታዊ ኣጠቓቕማን መምርሒ መሰረት ብምግባር ኣብ ውፅኢት ንምብፃሕ ከምትሰርሕ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.