Fana: At a Speed of Life!

3ይ ዙር ውድድር ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ ዝፀንሐ ሳልሳይ ዙር ውድድር ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ።

እቲ ሳልሳይ ዙር መርሃ ግብሪ፥ ትማሊ ምሸት ፋሲል ከነማ ንወላይታ ዲቻ 3 ን 1 ኣብ ዝረትዐትሉ ፀወታ ኢዩ ፍፃምኡ ረኺቡ፡፡

ኣብ ሳልሳይ ዙር ብሓፈሻ 48 ፀወታታት ኣብ ከተማ ኣዳማ ተኻይዶም 110 ሽቶታት ዝተመዝገቡ እንትኾኑ፥ ሃዲያ ሆሳእናን ቅዱስ ጊዮርጊስን ኣብ ኣዳና ዝነበረን ፃንሒት ዘይተሰዓራ ጋንታታት ብምዃን እቲ መርሃ ግብሪ ምዝዛም ተኻኢሉ፡፡

ፋሲል ከነማ ኣብ ኣዳማ ብዝነበረ ፃንሒት ካብ ዝነበራ ቅልውላው ውፅኢት ብምውፃእ 2ይ ደረጃ ዝሓዘት እንትኸውን፥ ኣብ ባህርዳር ዝካየድ 4ይ ዙር ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ክፍትና ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ጋንታታት ሰበታ ከተማ፣ ጅማ ኣባ ጅፋርን ኣዲስ አበባ ከተማን ኣብ ኣዳማ ፃንሒቶም ኣብ ስግኣት ምውራድ ዝተቐመጣ ጋንታታት ኮይነን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.