Fana: At a Speed of Life!

3ይ ዙር ፕሮግራም መስፋሕፍሒ ትካላዊን መሰረተ ልምዓትን ከተማታት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)859 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ በጀት ተሰሊዑሉ እናተተግበረ ዝፀንሐ ሳልሳይ ዙር ፕሮግራም መስፋሕፍሒ ትካላዊን መሰረተ ልምዓትን ከተማታት ተዛዚሙ፡፡

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ÷ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ሓበራዊ ኮሚቴ ስትሪንግ ፌዴራልን ክልላትን መስፋሕፍሒ ትካላዊን መሰረተ ልምዓትን ከተማታት (ዩ አይ አይ ዲ ፒ) ተረኺበን፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዕቤት ከተማታት ቀፃሊ ክኸውን ንምግባር መንግስቲ ኣብ ከተማታት ዝረአዩ ፀገማት ብምፍላይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ከተማታት መበገሲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምግባር ማእኸል ብምዃነን ዝተሃቀኑ ትልሚታ ንምዕዋት ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ብቤዛዊት ከበደን ቢንያም ኣስናቀን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.