Fana: At a Speed of Life!

33 ኢትዮጵያውያን ካብ ፑንትላንድ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)33 ኢትዮጵያውያን ካብ ፑንትላንድ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ፌዴሪኢ ኣብ ፑንትላንድ ኣብ ቦሳሶ ምስ ዝርከብ ጨንፈር ቢሮ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት (IOM) ብምትሕብባር 33 ፍልሰተኛታት ካብ ቦሳሶ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ገይሩ።

ካብ ሞንጎ እቶም ተመለስቲ 12 ደቂ ኣንስትዮ፣ 17 ደቂ ተባዕትዮን 4 ድማ ህፃናት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቶም መናእሰይ፥ ብዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ሰባት ተታሊሎምን ገንዘብ ከፊሎምን ካብ ሃገሮም ምስወፅኡ ምግልታዕን ስቓይን እናበፅሖም ከምዝፀነሕ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

ኣብ ፑንትላንድ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናይ ምምላስ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.