Fana: At a Speed of Life!

ኣብ  ክልል ዓፋር ዞባ ክልተ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብግፍዒ ንዝተጨፍጨፉ ወገናት  ፀሎት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ከለበቲ ረሱል ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ዞባ ክልተ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብግፍዒ ንዝተጨፍጨፉ ወገናት  ፀሎት ተገይሩ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልል ዓፋር ሰሪጉ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብቃላት ክግለፁ ዘይኽእሉ ኣብ ደቂ ሰባት ክፍፀሙ እዮም ተባሂሉ ዘይግመቱ መስካሕከሕቲ ግፍዕን በደልን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ፈፂሙ እዩ ክብሉ ነበርቲ ከለበቲ ረሱል ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ነቲ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ወገናት ፀሎት ወይ ድማ ዱዓ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልል ዓፋር ሰሪጉ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብቃላት ክግለፁ ለይኽእሉ ኣብ ደቂ ሰባት ክፍፀሙ እዮም ተባሂሉ ለይግመቱ መስካሕከሕቲ ግፍዕን በደልን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ፈፂሙ እዩ።

ካብቶም ግፍዒ ልተፈፀሞም ወገናት ምንም ለይፈልጡ ኣዴታትን ህፃናትን ኢሉውን ኣራጋውያን ከምዝርከብዎም ድማ ተሓቢሩ።

እዚ ከይኣኸሎ መቃብር ጉድጓድ ብምቑፋር ብጅምላ እዮም ልቐበሮ ተባሂሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብርክት ልበሉ ካልኦት  መቓብር ጅምላ እውን ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ነበርቲ እቲ ዞባ ንፋና ብሮድካስቲግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ንኣዋርሕ ኣብ ዝፀንሐሎም ከባቢታት ሐዝውን ዘይተረኸቡ ብርክት ልበሉ ህፃውንቲ፣ ኣዴታት፣ ኣረጋውያን፣ ደቂ ኣንስቲዮ ኢሉውን መንኣሰያት ብግፍዒ ቐቲሉ ብጅምላ ልቐበረሉ ብርክት ልበሉ ቦታታት ኣለዉ።

ብብርኽቲ ማህተም

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.