Fana: At a Speed of Life!

4ይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)4ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ክጅመር ኢዩ።

በቲ መርሃ ግብሪ 6 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ዓመት ብሓፈሻ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት መርሃ ግብሪ ንምስኻዕ ዝተተለመ 20 ቢሊየን ፈልሲ ናይ ምትካል ሽቶ ከምዝዕወት ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መግለፂኦም፥ ኢትዮጵያ ብለውጢ ንብረት ኣየር ከቢድ ፅዕነቶ እናበፅሓ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“ኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ብብርኪ ሃገር ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምግታእ ተግባራዊ እናኾነ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ደረቕ ከባቢታ ዓመታዊ መጠን ዝናቦም ንኅውስኽ ኢሉ እውን ሓደጋ ውሕጅን ምግህማስ መሬትን ንኽንኪ፤ ንኢትዮጵያ ሓምለወይቲ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ከም ሃገር ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዙሓት ዓወታት ከምዘመዝገበት እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም ኣልዒሎም፡፡

ኣብዚ ክረምቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ብዕቱብ ወፂኦም ንወለዶ ዝሓልፍ ኣሰሮም ንኸዕርፉ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣብ መግለፂም፥ ኣፍሪካውያን ኣብ ኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ንኽሳተፉ ፃውዒት ብምቕራብ ዓለም ለኸ ማሕረሰብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃሊን ዕዉትን ነዋፃእ እውን ፀዊዖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.