Fana: At a Speed of Life!

4 ሺሕን 320 ኪሎ ግራም መዓወኒ ሓሽሽ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ጉሙሩኽ 4 ሺሕን 320 ኪሎ ግራም መዓወኒ ሓሽሽ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ መዐወኒ ሓሽሽ፥ ብኤፍ ኤስ ኣር ተሽከርካሪት ተፃዒኑ ናብ ሞያሌ እንተጓዓዓዝ ዝተትሓዘ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ልዕሊ ብር 17 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ሓሽሽ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሃዋሳ መተሓባበሪ መቆፃፀሪ ጣቢያ ጪጬ ኮማንደር ጫላ ቡልቻ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ መዐወኒ ሓሽሽ እናጓዓዓዘ ዝነበረ ኣሽከርካሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኢዩ።

እቲ መቆፃፀሪ ጣቢያ ሓበሬታ በፂሑዎ ክትትል እናገበረ ምፅንሑ ዝገለፁ እቶም መተሓባበሪ፥ እቲ ገናሒ መኪና ታርጋ ቁፅሩ ብምቕያር ኣጭበርቢሩ ንምሕላፍ ፈተነ ምግባሩ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.