Fana: At a Speed of Life!

5 ጳጉሜን ዝኽበር መዓልቲ ሓድነት ኣብ መላእ ሃገርን ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ክኽበር ኢዩ – ኣሰናዳኢ ኮሚቴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)5 ጳጉሜን ዝኽበር መዓልቲ ሓድነት ኣብ መላእ ሃገርን ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ብድምቀት ከምዝኽበር ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ በዓል ኣፍሊጡ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ዝኾኑ ዋና ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሚኒስቴር ምክልኻል ኮ/ል ጌትነት ኣዳነ፥ “እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበርን ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ኣፈላላይና ከም ፀገም ንምጥቃም ዝደልዩ ፀላእቲ ብዝተለመደ ኢትዮጵያዊ ሓድነትና ጠጠው ብምባል ንዓለም ነሪአሉ በዓል ክኸውን ኢዩ” ኢሎም።

እቲ በዓል ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ብብርኪ ዝተፈላለዩ ተካላት ብድሙቕ ኩነታት ከምዝኽበርን ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ ተስፋ ንምቕባል ንእከበሉን መግለፂ ሓድነት ዝኾነ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ነኽብረሉ ዕለት ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

ዳይሬክተር ጄኔራል ፐብሊክ ዲፕሎማሲ መንግስት ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብግደኦም፥ እቲ በዓል ካብ ኢትዮጵያ ወፃእ ኣብ 52 ኤምባሲታትን ኣቢያተ ፅሕፈት ቆንስላን ኢትዮጵያ ከምዝኽበር ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.