Fana: At a Speed of Life!

56 ናይ ይግበአኒ መዛግብቲ ጥርዓን ናብ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ከምዝቐርቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)56 ናይ ይግበአኒ መዛግብቲ ጥርዓን ናብ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ከምዝቐርቡ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትርጉም ሕገ መንግስቲን ክትትል ኣፈፃፅማ ውሳነን እቲ ቤት ምኽሪ ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ዝቐረቡሉ ጥርዓናት ትርጉም ሕገ መንግስቲ ምርመራ ገይሩ፡፡

በዚ ድማ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ትርጉም ሕገ መንግስቲ የድልዮም ኢዩ ዝተብሃሉ 6 መዛግብቲን 2 ንተወሳኺ መፅናዕቲን ምርመራን ብሕሕደር ዝፀንሑን ብይግበአኒ ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝቐረቡ መዛግብቲ÷ ንውሳነ ናብ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ክቐርቡ ወሲኑ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ 56 መዛግብቲ ብዝርዝር ብምምርማር ውሳኔ ሓሳብ ተሰናዲኡሎም ናብ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ንውሳነ ክቐርቡ ከምዝወሰነ ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.