Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ክፍሊት ውዝፍ ጡረታ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ክፍሊት ውዝፍ  ጡረታ ተጀሚሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ክልል ትግራይ ዝተወከሉ ኣብ ዝገበርዎ መድረኽ ዘተ፥ ብዛዕባ እቲ ክፍሊት ሕቶ ምልዓሉ ይዝከር።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ምላሾም፥ እቲ ሕቶ ምላሽ ከምዝረከብ ድሕሪ ምርግጋፆም ውሳነ ተዋሂቡ።

ብመሰረት እዚ 65 ሺሕን 873 ነዝኾኑ ተኸፈልቲ ውዙፍ ጡረታ ኣበል 90 ሚኢታዊ መረዳእታታት በምፅራይ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ 17 ኣዋርሕ ከፍሊት ንክፍፀም 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ከምዝተለቐቀ ተገሊፁ።

ዝተረፉ መረዳእታት ተፃሪዩ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዝኽፈል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ማሕበራዊ ውሕስና ትካላት መንግስቲ ዳባ ኦሪያ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብሪሆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘለዉ ተኸፈልቲ ጡረታ እቶም ኣስታት 5 ሺሕ ዝኾኑ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ናብ ስርዓት ጡረታ ዝኣተዉ ብምዃኖም ክፍሊቶም ዘይተቛረፀን ሐዚ እውን ይኽፈሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.