Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ምሸት በሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ ሓደ ሰብ ህይወቱ ስኢኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ምሸት በሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ ሓደ ሰብ ህይወቱ ከምዝሰኣነ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ሓዊን እታ ከተማ ገሊፁ።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ፥ እቲ ሣደጋ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 12 ከምዘጋጠመ ተዛሪቦም።

እቲ ባርዕ፥ ብጀነሬተር ምክኒያት ዘጋጠመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነዳዲ ብምውሳኽ  ነታ ጀነሬተር ዘልዕል ዝነበረ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ከምዝሰኣነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.