Fana: At a Speed of Life!

9 ኣባላት ጉጅለ ህውሓት ኣብ ቁፅፅር ዉዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብ/ጄኔራል ተስፋዬ  ኣያሌው ከምዝበልዎ  9 ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ህውሓት ኣብ ቁፅፅር እንትውዕሉ ኣርባዕተ ድማ ስጉምቲ ተወሲዱሎም ኣሎ።

ብመሰርት እዚ፥

1.  ኣቐባሊ ቃል እቲ ጁንታ ሴኩቱሬ ጌታቸው፣
2.  ዘርአይ አስገዶም
3.  አበበ ገብረመድህን ሓላፊ ድወት ዝነበረ
4.  ዳንኤል አሰፋ ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ ዝነበረ  ምስ ገናሕቲ መካይኖምን ዓጀብቶምን ብጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ትካላት ፀፅታ ፈዴራልን ብህዝቢ ትግራይን ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ብዝተገበረ ዝተዋደደ ወፍሪ ከምዝተደምሰሱ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ 9 ኣባላት ጉጅለ ህውሓት ኣብ ቁፅፅር ዉዒሎም ኣለዉ። ንሳቶም እውን

1.  ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋ ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል
2.  ዶክተር ሰለሞን ኪዳነ ነበር ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ
3.  ኣይተ ተክለወይኒ አሰፋ ኣፈፃሚ ስራሕ ማረት ዝነበረ
4.  ኣይተ ገብረመድህን ተወልደ ነበር ሓላፊ ቢሮ ንግዲ እቲ ክልል
5.  ኣይተ ወልደጊዮርጊስ ደስታ ሓላፊ ቢሮ መንገድን ትራንስፖርትን እቲ ክልል ዝነበረ
6.  አምባሳደር አባዲ ዘሙ ነበር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን
7.  ኣይተ ቴዎድሮስ ሃጎስ ፕረዚዳንት መለስ አመራር አካዳሚን ሓላፊ ቦርድ ትእምትን ዝነበረ
8.  ወይዘሮ ምህረት ተክላይ ኣማኻሪት ሕጊ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ዝነበረት
9.  ኣይተ ብርሃነ አደም መሃመድ ሓላፊ ከይዲ ስራሕ ዕድጊት ንብረት እቲ ክልል ዝነበረ ኣብ ቁፅፅር ዉዒሎም ኣለዉ።

እቲ ሰራዊት ነቶም ገበነኛታት ሃዲኑ ንምሓዝ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ግዴትኡ ይዋፃእ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.