Fana: At a Speed of Life!

90 ሚኢታዊ ዝኸውን ዕድጊት ሩሲያን ቻይን ብመተዓዳደጊ ገንዘብ እተን ሃገራት ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)90 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ዕድጊት ሩሲያን ቻይን ብመተዓዳደጊ ገንዘብ እተን ሃገራት ከምዝተፈፀመ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ንክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ትማሊ ናብ ቤጂንግ ዝኣተዉ እንትኾኑ÷ ምስ ቻይና መዘነኦም ዢ ጂንፒንግ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ሞስኮን ቤጂንግን ዘሎ ርክብ፤ ኣብ መምርሒ ሓበራዊ ምክብባር፣ ሰናይ ጉርብትናን ሓበራዊ ረብሓን ዝተመሰረተ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ፑቲን ተዛሪቦም።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን እድ ኣእታውነት ሳልሳይ ወገንን ኣብ ቤት ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ፅዕንቶ የሕድር እምበር÷ ክልቲአን ሃገራት ጥንኩር ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ብምህናፅ ልውውጥ ንግደን እናዕበያ ከምዝኾና ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ድማ 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ልውውጥ ንግደን ብሩብልን ዩዋንን ንኽተዓዳደጋ ዝተገበረ ውሳነ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ጥንኩር ምትእስሳር ንግዲ መሰረት ከምዘንበረ ሓቢሮም።

ልውውጥ ንግዲ እተን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፅአ እንትኸውን÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን 227 ቢሊዮን ዶላር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኣብ ክልተኣዊ ርክብ፣ ምትሕብባር ኢኮኖሚ፣ ጎንፂ ዩክሬንን ዓለም ለኻዊ ጉዳያትን ክልቲአን ሃገራት ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.